“ጕዕዞ ሓርነት ጕዕዞ ምድረ-በዳ ኣይኮነን”
“ እሞ ሕጂ ኸ ድኣ እንታይ ይገበር?”
ነፍሲሔር የማነ-ገብረሚካኤል(ባርያ)
እግሪ ጕዕዞ ምስ ዝዝከር ቡኡንቡኡ ኣብ ኣእሙረይ ቅጅል ዝብለኒ ሕሉፍ ዝኽሪ ኣሎ፡፡ እቲ ዝበዝሔ ብሳዋ ዝሓለፈ መንእሰይ ብድሕሪ ናይ ሽድሽተ ወርሒ ታዕሊም እንታይ ሲዒቡ ከም ዝመጽእ ዝርስዕ ሰብ ዘሎ ኮይኑ ኣይመስለንን፡፡ ነፍሲ ወከፍ ተዓላማይ ነቲ እግሪ ጕዕዞ ዝተፈላለየ ትዕዝብታዊ ትንታኔ እኳ ዝወሃቦ እንተኾነ፡ ኣብ ሓደ መስረታዊ ሕቶ ግና ኵሉ ዝሰማማዕ ይመስለኒ፡፡ ዕላማ እቲ ናይ ሰላሳ መዓልቲ እግሪ ጕዕዞ ንምንታይ ኢዩ ነይሩ? ንዝብል ሕቶ ሩጡብን ልቢ ዘዕግብ መልሲ ክትረኽበሉ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ፡፡ ብሓለፍቲ መዓስከር ሳዋ ዝተዋሃበ መግለጺ እንተነበረ “ ዙራ ሃገርካ ጠምት ተዓዘባ” ዝብል ናይ ዑቝባገብሪኤል ህብብቲ ደርፊ ኣዘኻኺሩ “እቲ ቅያታት ዝተገበረሉ ቦታታት ንምዕዛብ” ዝብል ሓሳብ ንምርዓም ኢዩ ዝመስል፡፡ ነቲ ብወረ ጥራይ ትፈልጦ መስትንክራዊ ቅያታት ዝተፈጸመሎም ታሪኻዊያን ስፍራታት ብዓይንኻ ክትርእዮም እኳ ስናይን ቅቡል ሓስብ እንንተነበረ፡ ዝበዝሕ እቲ ጕዕዞ ብለይቲ ይዕመም ብምንባሩ፡ ምሱኡ እቶም ነቲ ጕዕዞ ዝመርሖ ዝነበሩ ተጋደልቲ ሰኣን እኵል ውዳቤ ይዅን ኣፍልጦ ብዛዕባ እቲ ቅያ ዝተሰርሓሉ ታባታት ይዅን ኣኽራናት ዝህብዎ ዝነበሩ ሓበሬታ ንስለ ምባል ጥራይ ኢዩ ነይሩ፡፡ ድሕሪ ናይ ሰላሳ መዓልቲ ኣድካምን ኣህላኽን ጕዕዞ *ታኮ ሽዳኻ ኣሕቒቕካ ፡ ነብሰ-ስጋኻ ኣሕሲምካ፡ ሰኣን እኵል ቀረብ ማይን መግብን ዝተፈላለዩ ሕማማት ኣጥሪኻ እቲ ጕዕዞ ተዛዚሙ፡፡ እዚ ጕዕዞ እዚ ብፍላይ ድማ ኣብ ካልኣይ ዙርያ ኣዋልድ እውን ክጽምበረኦ ስለ ዘገደደ ነቲ ምረቱን ሃልኵን ዕላሙኡን ኣብዚ ሓጺር ጹሑፍ ክጥርነፍ ዝከኣል ኣይመሰልንን፡፡ ግዜን ኣምላኽን እንተፈቂድዎ ግና ካልእ ግዜ ክምለሶ ኢየ፡፡
ብርግጽ ብድሕሪ ጕንቦት 1991 ናጽነት ኤርትራ ምስ ተበሰረ ንኤርትራ ናብዚ ሕጂ ወዲቓቶ ዘላ ዓዘቕቲ ክትኣቱ ዝተጸበየን ብኣጕኡ ዝተነበየ ሰብ ኣይነበረን፡፡ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ናጽነት ዝተረከበ ወለዶ ዝኾነ ይዅን ናይ ምጥርጣርን መንፈስ ኣይነበረን፡፡ እኳ ድኣ እታ ዝተረከባ ሃገር ከልምዓን ከበልጽጋን እጅጉኡ ሰብሲቡ ብውዕውዕ መንፈስ ዝተበገሰሉ እዋን ኢዩ ነይሩ፡፡ ኣብቲ ፈለማ ሽሕ እኳ ኣብ ገለገለ ተጋዳለቲ ሓሓሊፉ ዝርኤ ናይ ጸብለትነትን ኣነ ይፈልጥ ወይ ድማ ነዛ ሃገር ባዕለይ ስለ ዘምጻኽዎ ድሌተይ ክእዘዝ መሰል ኣሎኒ ዝብል ባህርያታት በጨቕ ይብል እንተነበረ፡ እዚ ኣብ ተራ ተጋደልቲ ዝርኤ ዘይእሩም ባህሪይ ድኣ እምበር ብመንግስቲ ደረጃ ዝስርሓሉ ፖለቲካዊ ፍልስፍና ይመስል ኣይነበረን፡፡ እቲ ናጽነት ዝተረከበ መንእሰይ እውን እንተኾነ በቲ ለጠቕ ዝበለ ፖለቲካዊ መንቛሕቍሕቱ ይዅን እቲ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ዝነበሩ ናይ “መለኮትነት” ኣረኣእያ ተጸልዩ ብምንባሩ ነቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ሓጠቕታት ጕቡእ ሚዛን ከይሃቦ ክሓልፍ ተገዲዱ ኢዩ፡፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ፖለቲካዊ ሃጓፍ እምበኣር ኢዩ እዚ ሕጂ ነታ ሃገር ብጭርኣ ሒዙ ሸንኮለል ዘብላ ዘሎ ህ.ግ.ደ.ፍ ብዘይ ኣዋጣሪ ሕቶታትን ኣብ ናቕፋ ተጠኒሱ ክውለድ ዝኸኣለ፡፡
ብድሕሪ ምጽፋይ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተሓለፈ ሃላፍዘላፍ ማሕበራዊ ፖለቲካዊ ባህላዊ ጕዕዞታት እዛ ሃገር፡ ነፍሲ ወከፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣርእስቲ ኣልዕሉ ሰፊሕ መግለጺ ዝጠልብ ስለ ዝኾነ ንግዜ ኣወንዚፈ ናብቲ ዘንቐለኒ ዛዕባ ክኣቱ፡፡
እዚ ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ናጤባ፡ ወዝቢ ዘይተጸበናዮ እሞ ካብቲ ሙሉእ ልብና እምነት ኣሕዲርናሉ ጥራይ ዘይኮነስ ሓላፍነቱ ብጕቡእ ተገንዚብ ንረብሓ ሕዝቢ ከም ዝሰርሕ ሙሉእ እምነትና ዘሕደርናሉ ውዱብ ኣቢሉ ስለ ዝመጸ ብሓቂ ዕረ-ዳንዴር ኢዩ፡፡ ሓቂ ብሓቒ ሃገር ናይ ምምሕዳር ሓላፍነትን ሙሉእ ብሙሉእ ቡኡኡ ክግበትን፡ ንሱ ቃሕ ከም ዝበሎ ነታ መኪና ክዝወራ ቀባሕ ኢሉ ዝጥምቶ ወይ ጽንጽያ ዓይኑ ዘንፍረሉ ሰብ ኣይነበረን፡፡ ከምዚ ዝበለ ዕድል ዝኾነ መንግስቲ ኣብዛ ዓለምና ዝረክብ ኣይመስለንን፡፡ እምበኣር እዚ ኢንታ ኣልቦ ሙሉእ እምነቱ ብጥልመት ስለ ዝተፈደየ ሕዝቢ፡ ኣብ ዝኾነ ይዅን ምንቕስቓስ ይዅን ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ ሰልፊ ብጎቦ ኣዕንቱ እንዳተዓዘበ ስቕታ እንተመረጸ ዘሕምዮ ኣይኮነን፡፡ እዚ ስነ-ኣእሙሮኣዊ በሰላ ዝፈጠሮ ናይ ምጥርጣር ቀሓር ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ክፈወስ እነተኾይኑ ኣዝዩ ሓያል ቃልስን ግዜን ክበልዕ ሙዃን ንዝንግዖ ኢና ኣይብልን፡፡
ንኣስታት ሰላሳ ዓመታት ስድራኻን ነብስኻን ዛንዛን ኣቢልካ፡ ንቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ቀዳምነት ብምሃብ፡ ዝወፋኻዮ ወርቒ ግዜን ገንዘብን ጕልበትን ከም ግመ ሰማይ በኒኑ ክተርፍ ክትርእዮ ከሎኻ ኣዝዩ መሪር ኢዩ፡፡ ንኣብነት እቶም ኣብላት ሓፋሽ ውዱባት ኮይኖም ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ኣውሮጳን ከምእውን ማእከላይ ምብራቕ ዓንዲ ሕቖ ሰውራ ኮይኖም ዘገልገሉ ጽባሕ ናጽነት ብዘይ ንቡር ምስጋና ተረሲዖም ከም ዝተረፉ ኵሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ፡፡ እቲ ጥልመት እምበኣር ገና እዚ ስርዓት እግሩ መሊኡ ከየረገጸ ኢዩ ጀሚርዎ፡፡ ኣካይዳ ኣዚ ስርዓት-ጥልመት ኣንዳዕዲዖም ዝፈልጡ ሰባት ንባህሪያት እዚ ስራዓት በዛ እትስዕብ ጥቅሲ ክገልጽዎ ይግደዱ፡፡ “ ጕንብሕ በለለይ እሞ ክውጥሓካ”፡፡
እዚ ስርዓት እዚ ሓደ ዘተኣታተዎ ጽዩፍ ባህሊ እንተሃለወ ድማ ግዚያዊ ጥቕሚ ድኣ እምበር ነባሪ ፍቅሪ ዝበሃል ከምዘየሎ ኢዩ፡፡ እምበኣር “ ከመይ ኢሉ ኢዩ ንብጾቱን መጋድልቱን ኣሲሩ ዝንብር?” ብዝብል ሕቶ ነብስና እንዳቋሰልና ሕልናና ዘርዊ መልሲ ንጽበ እንተሃሊና ገና ነዚ ስርዓት ከምቲ ዝግበኦ ገይርና ስለ ዘይፈለጥናዮ ጥራይ ኢዩ፡፡ ነዚ ንምፍላጥ ድማ ብልሕን ፍሉይ ፖለቲካዊ ብስለት ዝጠለብ ኣይኮነን፡፡ ሓበላ ኣዕንትኻ ቀንጢጥካ ቀባሕ በል እሞ ጠምት፡፡ ሎሚ ኣብ ጎኒ እዚ ስርዓት ኮይኑ ዝወደሰን ዝሞገሰን ጽባሕ መዓልቱ ምስ ኣኸለት( ወይ ድማ ልግዔ ጸብኦ ተሓሊብ ቃንጫ ምስ ተረፈ ካብዘዘልዎ ከም በጊዕ ተጎቲቱ ሸላ ከምዝኸውን መሳፉር ውህሉል ተሞክሮ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ፡፡) እቲ መሕነቒኡ ዝኾኖ ገመድ ከም ማዕተብ ኣብ ክሳዱ ኣንጠልጢሉ፡ ህላዊኡ ከበስር ጽባሕ ጽባሕ ነጋሪት እንዳሃረመ ከፍቱ ክፍትፍት ዝውዕሉ ዘሎ ዕሱብ ሰብ ድማ እንትርፎ ግዜ ከሎካ ግዜ ኣይትጸበ ምባል ካልእ እንብሎ ነገራት የብልናን፡፡ ኣብ ደምበ ህ.ግ.ደ.ፍ ነባሪ ጥቕሚ እምበር ነባሪ ዕርክነት ወይ ፍቕሪ ዝብሃል ኣምር የሎን፡፡
እምበኣር እዚ ጥልመት ዝፈጠሮ ስነ-ኣእሙሮኣዊ በሰላ ክፈወስ እንተኾይኑ ግዜ ክወስደሉ ሙዃኑ ኣየታሓታትትን ኢዩ፡፡ እዚ ስነ-ኣእሙራኣዊ በሰላ እዚ ነቲ“ እንታይ ገደሰኒ፡ ትማሊ እዚ ኵሉ ኣገልጊለ ዶ መን ኣመስጊኑኒ ኢዩ፡፡ እምበሺ ብመንጹሩ መጸረፍየይ ኮይኑ” ዝብል ሰንኵፍ ናይ ነብሰ-ፈታዊነትን ስስዔን ባህሪይ ከም ዝወለደ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ሓቒ ኡይ፡፡ ሳዕቤኑ ድማ ዝረኣዩ እንዳረኣዩ. ከመዘይረኣዩ፡ ዝተዓዘቡ እንዳተዓዘቡ… ከምዘይተዓዘኑ፡ ንንገራት ዕሽሽ ኢልካ ምሕላፍን ምክሓድን ከም መትከል ኣሚኖም ሕልነኦም ኣብ ባዕቲ ስቃታ ዝወሸሉ ሰባት ፈጢሩ፡፡ ምስናይ እዚ ግና ገለ ውሑዳት ብባህሪኦም “ ኣብ ዘመን ውሪውራ ከብድኻ ኣይትዕብራ” ብዝብል ፈሊጥ፡ ናብርኦም ዝመርሑ ሰባት ኣይሰኣኑን ኢዮም፡፡ እዚኦም ከብዶም ዝናብርኦም እንዳበልዑ ዘንባህቝ ኣናብጥ ፍጥረት ኢዮም፡፡ እቶም ዝበዝሑ ግና ዘይወዳእ ቃልሲ ሕልኖኦም ስለ ዘዕረበ ብድሕሪ ሓደ ጸልማት ካልእ ጸልማት እንዳሰዓበ ንመፈሶም ስለ ዘድከመ “ ብሕጂ እውን ካልእ ቃልሲ?” ንዝብል ደርቋሲ ሕቶ ንነብሶም እንዳሓተቱ ሕልነኦም ብውሽጢ እንዳኣእወየን እንዳቖዘመን ስቕታ መቃብር ዝመረጹ ኢዮም፡፡
“ እሞ ሕጂ ኸ ድኣ እንታይ ይገበር? ”
ነፍሲሔር ድምጻዊ የማነ ገብረሚካኤል( ባሪያ) ጽልምት ምስ በሎ ዶ ኾን ኢዩ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኣንቒልዋ፡፡ “ እሞ ሕጂ ኸ ድኣ እንታይ ይገበር?” ገና መልሲ ዘይረኸበላ ሕቶ ኢያ፡፡ እቲ መልሲ ስቕታ ከምዘይኮነ ዝኾነ ብሃገረይን ዜጋየን ይግደስ ኢየ ዝብል ሰብ ሕልና ዝስሕቶ ኣይመስለንን፡፡
እወ ብርግጽ መፍትሒ ሕርብት ኢልዎ ገዙኡ ዓጽዩ ዝቍዝም ኤርትራዊ መሊኡ ኢዩ፡፡ መፍትሒ ካብ ሰማይ ከም ማና ዘኒቡ ራህዋ ክፍጠር ሰማይ ሰማይ ዘማዕዱ ኤርትራዊ ኣዝዩ ቡዙሕ ኢዩ፡፡ ገለ ድማ ካብቲ ህልው ሽግር ነብስኻ ኢልይ እንተበልካ ግዚያዊ ዝኾነ መንፈሳዊ ሩፍታ ስለ ዝህበካ ቡኡኡ ዝደዓዓስ ሰብ ኣይሰኣንን፡፡ ኮይኑ ተሪፉ ግና እቲ መፍትሒ ካባና ካብ ኤርትራዊያን ኢዩ ዝነቕል፡፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ በታ ዓቕሙን ክእለቱን ጸጸር ክድርቢ ግዜ ይጠልብ ኣሎ፡፡ እወ ብርግጽ ነዊሕ ጕዕዞ ብሓደ ስጕምቲ ኢዩ ዝጅመር፡፡ ንኣብነት ነዚ ብሙዑታት ኤርትራዋንን ተሓጋገዝቶም ካብ ኒው ዮርክ ናብ ዲሲ ዝግበር ዘሎ “ ናይ ሓርነት ጕዕዞ “ እንተረኣና ሓደ ካብቲ ክሰዓብ ዝግቦኦ ኣብነታዊ ቃልሲ ኢዩ፡፡ ንሰናይ ተበግሶ ሓው ተኸለን ሳሙኤልን ከምእውን እታ ኢጣሊያዊት ዜግነት ዘለዋ ዳኒያ ምስ ቤተ-ሰባ ኣብዚ ምትንታን ምድግጋም ስለ ዝኸውን ግዜዅም ከባኽነልኵም ኣይደልን፡፡
ነዚ ኣስታት 265 ማይልስ ርሕቐት ዝሽፍን፡ ኣድካምን ፈታንን ናይ እግሪ ጕዕዞ፡ ብዝተዝተፈላለየ ምኽንያት ኣእጋርና ሓዊስና እኳ እንተዘኣሰናዮ፡ ኣብ ዝሓልፎዎ ጎደናታት እንዳወጸና ኣጆዅም ዝብል ሞራል ምስናቕ ግና ከቢድ ነገር ኮይኑ ኣይሰማዓንን፡፡ ምናልባት ኣነ ኣጣቖዔሎም ኣነ ኣጆዅም ኢለዮም እሞ እንታይ ለውጢ ክመጽእ ይኽእል? ብዝብል ስንኵፍ ኣታሓሳስባ ኣእጋርናን ኣእዳውናን ጠሚርና ኣብ ገዛና ኮፍ ኢልና ምስቍርቋር ምስትምሳል ትርጕም የብሉን፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ነቶም ኣብዚ ምእንቲ ፍትሒ እቶም ኣብ ሸላታት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝበልዩ ዘለው ዜጋታትና ንዓለም ንምንጋር ሃገራት ኣቋሪጾም ደገፎም ክገልጹ ዝመጹ ሙዑታት ኤርትራውያን መንእሰያት ሳሙኤልን ተኽለን ከምእውን ኢጣልያዊት ዳንያን ቤተሰባን፡ ንተበግሶኦምን ሓቦኦም ከየመጎስኵ ክሓልፍ ኣይደልን፡፡ ከምእውን ንዅሎም ኣብዚ ጕዕዞ እዚ ንኽሰታፉ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝመጹ ኤርትራዊያን ጸባ ኣስቲዅምና ጸባ ስትዩ ክብሎም ባህ ይብለኒ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ድማ ንተቐመጥቲ ኒው-ዮርክ ብፍላይ ድማ ንኣባለት ሕዝባዊ-ዘተ ስለቲ ዝገበርኵምሎም ውዕውዕ ኣቀባብላ ምስጋናይ የቕርብ፡፡ ኣብተን ዝስዕባ ከተማታት ድማ ተመሳሳሊ ኣቀባብላ ክጽበዮም በዓል ሙሉእ ተስፋ ኢየ፡፡ ኣብ መወዳእታ ንዅሎም ወደብትን ደገፍትን ተሳተፍትን እዚ “ሓርነታዊ ጕዕዞ“ ኣብነታውን ክሰዓብ ዘሎዎ ሰናይ ተበግሶ ሙዃኑ እንዳሓበርኵ ግዕዞኦም ኣማላኽ ተሓዊስዎ ብዓቢ ዓወት ክዛዝም ትምኒተይን ሃንቀውታይን ኢዩ፡፡
“ነዊሕ ጕዕዞ ብስድሪ ኢዩ ዝጅመር”
ዓወት ንሓረነታዊ ጕዕዞ ኒው-ዮርክ ዲሲ