Awate Front Page 
Editorial
Gedab News
Al-Nahda
Resistance
Negarit
Tigrigna
Arabic
Featured Articles
EHRAG
Regional Events
Spotlight
Awate Team
Cartoons
Documents/Interviews
Perspective
The Fertile Womb
Branna
Martyr Album[1998-2003]/
Links
Public Opinion



Tigrigna

 5 Currently Online



6ይ ሃገራዊ ጕባኤ ተሓኤ-ሰባ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ስራሕ ዝግበር ድህሰሳ ንግሉጽነት
By ብማሕሙድ ዑስማን ኤሎስ (ኣካያዲ፡ ማእከል መጽናዕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ)
Aug 17, 2006, 07:48 PST

Email this article
 Printer friendly page


ካብ’ቲ ብ1971 ዓ.ም እተኻየደ ቀዳማይ ሃገራዊ ጕባኤ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ክሳዕ’ዚ ብ2006 ብሓንቲ ሱር ካብ ሰራውር ተሓኤ ዝዀነት፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ዝተኻየደ 6ይ ሃገራዊ ጕባኤ፥ ብደረጃ ሃገርን ዞባን ዓለምን፡ ዓበይቲ ፖለቲካውን ምጣነ-ሃብታውን ለውጥታት ተመዝጊቦም ኢዮም። ካብ’ቶም ዝተመዝገቡ ርኡያት ለውጥታት፡ እቲ ብዝሑል ውግእ ዝፍለጥ፡ ኣብ መንጐ ዴሳውን ርእሰማላውን ዓለም ዝነበረ ቃልሲ ምኽታሙ፥ ኣብ ምዕራባዊ ደምበ ዝነበረ ፖለቲካውን ምጣነ-ሃብታውን ስነ-ሓሳባውን ግጥምያ ደው ምባሉን፥ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ናይ’ቲ ታሪኻዊ መድረኽ’ቲ ኣሰራት ምልጋሱን፤ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርንዓት ናይ ዓለም ዝነበረ ፖለቲካውን ምጣነ-ሃብታውን ስነ-ሓሳባውን ክውንነት ብናይ ኣመሪካ ፖሊሲታትን ናይ ርእሰማላውያን ክለሳ-ሓሳብን ዝምራሕ ወይ ብኡ ዝምእዘዝ ምዃኑን ኢዩ። ብደረጃ ኤርትራ ከኣ፡ ናይ ሰውራ ስነ-ሓሳብ፡ ድሕሪ ናጽነት ምኽታሙ፤ ከምኡ ውን፡ ኣብ ትሕቲ ንጻውዒት ሃገራዊ ስኒት ዘይቕበል፡ ንናይ ሰውራ ናይ ቃልሲ መሻርኽቱ ዘየሳትፍ ጽልዋ ናይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ናይ ሎሚ ህግዲፍ) ዝዓብለሎ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ፡ ብ1993 ኤርትራ ናጻ ሃገር ኰይና። ብደረጃ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከኣ፡ ከም ውጽኢት ናይ’ቲ ንዓንዲ ሕቘኣ ዝሰበረ ምፍንጫላትን ምክፍፋላትን፡ ብዙሓት ዓቕመን ድሩት ዝዀነ ዝንባሌታትን ክፍልታትን ኰይና ምትራፋ ክጥቀስ ይከኣል። እቲ ንተሓኤ ዘጋጠመ ቅልውላዋት፡ ብፍላይ ድሕር’ቲ ኣብ መንጐ ተሓኤን ህግሓኤን ኣብ ሰማንያታት ናይ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘመን ዝተወልዐ ውግእ ዘጋጠማ ውድቀት፡ ክሳዕ’ዚ ብ2003 ዓ.ም ኣብ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝተጋህደ፡ እሞ ዓሚቝ ዝዀነ ፍልልይ ይኹን ርእሶም ዝኸኣሉ ውድባት ንምዃን ዘገድድ ምኽንያት ዘይብሎም ግንባራት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ተሓኤ ሃገራዊ ጕባኤን ንምፍጣር ዘስዓበ ምፍንጫላት ቀጸለ። ብ1971 ዝተኻየደ ቀዳማይ ሃገራዊ ጕባኤ፡ ንሃገራዊ ናጽነት ዝዓለመ፡ ንውሽጣዊ ኤርትራዊ ኵነታት ብዓመጻዊ ኣገባብ ክሰርዕ ዝህቅን ናይ ጸጋም ጽልዋ ዝዓብለሎ ሓርነታዊ ሰውራ ኢዩ ነይሩ።

ብ2006 ዝተኻየደ 6ይ ሃገራዊ ጕባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ግን፡ ንበደልን ዲክታቶርነት ኣልጊሱ፡ ስኒትን ፍትሕን ፖለቲካዊ ብዙሕነትን ንምስፋን ዝዓለመ ፖለቲካዊ ለውጥታትን ዳግመ-ህንጻን ንምርግጋጽ ኢዩ ተበጊሱ። ወይ ድሌት ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ፡ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ክበሃል ይከኣል’ዩ። እንተዀነ ግን፡ ብመንጽር ብድሆታቱን ነገራውን ሰብኣውን ዓቕምታቱን ክርአ እንከሎ፡ ካብ’ቶም ክልተ መድረኻት ኣየናዮም ኢዩ ከቢድ? ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ዝካየድ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ሰውራ ምምራሕ ድዩ? ወይስ፡ ንህልዊ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ሃለዋት ንምቕያር ካብ ደገ ፖለቲካውን ምናልባት ውን ወተሃደራውን ዝንባሌ ዘለዎ ሰልፊ ምምራሕ ኢዩ? ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህልዊ ፖለቲካዊ ሃለዋት፡ ኣብ ዓለምና ካብ ዝርከብ ሕብረተሰባት ንላዕሊ፡ ንውሽጣዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ዝጠልብ ኵነታት ምዃኑ ኣብ ግምት እንተደኣ ኣእቲና፡ ዘለናዮ መድረኽ ካብ መድረኽ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝጸንከረ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ምኽንያቱ ከኣ፡ ኤርትራ፡ ብደረጃ መንግስቲ ይኹን ብደረጃ ተቓውሞ፡ ኣብ ፍልይ ዝበለ ኵነታት ስለእትርከብ ኢያ። እዚ ኰይኑ እቲ፡ 6ይ ጠቕላል ሃገራዊ ጕባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ነቲ ኵሉ ዝተረጋገጸ ታሪኻዊ ፖለቲካውን ምጣነ-ሃብታውን ስነ-ሓሳባውን ለውጥታትን፤ ኣብ መስርሕ ናይ’ዛ ዘለናይ ዓለም ዘለዎ ተጽዕኖታትን ኣብ ግምት ዘእተወ ሕቶታት ኣልዒሉን ገምጋማት ኣንቢሩን ኢዩ።

ጕባኤን ኣካቢብዎ ዝርከብ ዞናዊ ኵነታትን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ጕባኤኡ ኣብ ሱዳን ክካይድ’ዩ ዝብል ግምታት’ዩ ነይርዎ። እንተዀነ ግን፡ ከም ባህርያዊ ውጽኢት ናይ ዘይተረጋግአ ወግዓዊ ፖለቲካዊ ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን፤ ከምኡ፡ውን፡ ኤርትራ፡ ንመንግስትን ንተቓወምቲ ሸነኻት ግንባር ምብራቕ ሱዳንን፡ ንምትዕራቕ መንጐኛ ክትከውን ናይ ዘርኣየቶ ጽቡቕ ድሌትን፤ ኣብ መንጐ መንግስታት ክልቲአን ሃገራት ዝማዕበለ ልዝብ ንደረጃ ዝምድናታተን ስለዘመሓየሾ፡ ጕባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ሱዳን ክካየድ ይኽእል’ዩ ንዝብል ዝነበረ ግምታት ኣህሲስዎ። ምቕያር ወግዓዊ መርገጽ ሱዳን፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ተቓወምቲ ሓይልታት፡ ብቀዳምነት ከኣ፡ ውድባዊ ጕባኤታት ኰነ ናይ መስመሪ ጕባኤታት ኣብ መሬታ ከይግበር ምእጋዳ፡ ንተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ካልኦት ተቓወምቲ ሓይልታትን ኣብ መቓቕሮ ዘእተወ ሓድሽን ሃንደበታውን ምዕባለ ነበረ። እንተዀነ ግን፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ምዕባለታት ክመጽእ ይኽእል’ዩ ኢሉ ገሚቱን ቆጸራ ሒዙን ከምዝጸንሐ ዘምስል ስጕምታት ክወስድን፡ መተካእታት ንምርካብ ክጓየን ተራእየ። በዚ ከኣ፡ ጕባኤኡ ኣብ’ቲ ተወሲንሉ ዝነበረ ዕለት 23.07.2006፡ ግን ኣብ ካርቱም ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምክያዱ በቕዐ። እዚ ውድብ’ዚ፡ ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ብድሆታት ዝተጠቕመሉ ናይ ቅድም ተመኵሮ ዘለዎ ውድብ ጥራሕ ዘይኰነስ፥ ጕባኤኡ ኣብ ሓደ ቦታ ንምክያድ ዘየኽእል ኵነታት ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ምስ ኵነታት ጨናፍሩ ዝሰማማዕ ጕባኤታት ኣብ ሓድ ግዜ ናይ ምክያድን፤ ነቲ ውጽኢታት ናይ ዝተፈላለዩ ጕባኤታቱ ናብ ሓደ ማእከል ናይ ምጥርናፍን፤ ናይ ምሉእ ውድብ ናይ መጻኢ ራእይ ወይ መደብ ዕዮ ናይ ምግባሩን ተመኵሮ ዘለዎ ውድብ ውን ኢዩ። ኣብ’ዚ ናይ ሕጂ ኵነታት ግን፡ ካብ ድሌቱ ወጻኢ ዝዀኑ ረቛሕትታት ከስዕብሉ ካብ ዝኽእሉ ጕድኣታት ዘድሕኖ መደባት ኣቐዲሙ ተሊሙ ናይ ምጽናሕ ፍልይ ዝበለ ክእለት ከምዘለዎ ውን ደጊሙ ኣርእዩ ኢዩ። በዚ ከኣ፡ ግዜ ብምኽሳብ፡ ንህጹጽ ምዕባለታት ንምግጣም ዘብቅዖ ልዑል ዓቕሚ ከምዘለዎ ኣመስከረ። ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ ዘቕረብክዎ ጽሑፋት፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ካብ 2004 ኣትሒዙ፡ ምስ ወግዓዊ ኵነታት ኢትዮጵያ ጽቡቕ ዝምድናታት ክፈጥርን፤ ነቲ ኣብ 2002 እተኻየደ 5ይ ስሩዕ ኣኼባ ሰውራዊ ባይቶ ምስ ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ እተፈጥረ ተሃዋሲ ፍልልያት ከምዝሰገሮን ኣሚተ ነይረ ኢየ።

ከይዲታት ጕባኤ፡-

ንማእከል መጽናዕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወኪለ፡ ንምሉእ መስርሕ ናይ ጕባኤ ከም ተዓዛቢ ኰይነ ተሳቲፈ ኢየ። ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ኣባላቱ ዘይኰኑ ናጻ ተዓዘብቲ፡ ብኵሉ ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ንተዓዘብቲ ዝውሃብ ፍሉጥ መሰላት፡ ኣብ ኵሉ ከይዲ ናይ’ቲ ጕባኤ ንምስታፍና ዝወሰዶ ተበግሶ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ሜዳ ኤርትራ፡ ሓድሽ ተመኵሮ’ዩ ነይሩ። በዚ ከኣ፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብተግባር ንዅለን ካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት ብምቕዳም፡ ኣብ ፖለቲካዊ ሜዳ ኤርትራ ሓድሽን ጥዑይን ተርእዮ ኣትኣታትዩን ኣመዝጊቡን ኢዩ። ንሕና፡ ነቲ ዕድመ ድሕሪ ምቕባልና፡ ብዛዕባ ተኣማንነት ናይ’ቲ ውድብን ኣብ መርገጻቱ ዘለዎ ብሩህነት ዘሎኒ ኣፍልጦ፡ ምስ ካልኦት ዝሰማማዕ ይኹን ዝፈላለ ብዘየገድስ፤ ሓደ ኤርትራዊ ውድብ፡ ኣብ ነፍሱ ይኹን ኣብ ካልኦት ዘለዎ እምነት ብዘየገድስ፤ ኵሉ እዉጅን ምስጢራውን ጕዳያቱ፡ ኣባላቱ ዘይኰኑ ተዓዘብቲ ኣብ ዝርከብዎ ኣኼባ ብግልጽነት ክዛረበሉን ክካትዓሉን ኢዩ ዝብል ትጽቢት ፈጺሙ ኣይነበረንን። እንተዀነ ግን፡ እቲ ግብርን እቲ ቃልን ናይ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ሓደ ኰይኑ ረኺበዮ። በዚ፡ ንሕናን ካልኦት ናጻ ዝዀኑ ኤርትራውያን ተዓዘብቲ፡ ብዘይካ’ቲ ንወተሃደራውን ገንዘባውን ጕዳያት ዝምልከት ጸብጻብ፡ ካልእ ብሰውራዊ ባይቶ ዝቐረበ ጸብጻብ ናይ ዝሓለፈ መድረኽን፡ ንጥፈታት ናይ’ቲ ጕባኤን፡ ካብ ኣልፋ ክሳብ ኦሜጋ ክንሳተፎ ተፈቒዱልና ኢዩ። ኣብ’ቲ ተሳተፍቲ ናይ ጕባኤ መን ምዃኖም ብስም እናተጸውዑ ንጕባኤኛታት ዝፋለጥሉ፡ ቀዳማይ ወግዓዊ ኣኼባ ውን ተሳቲፍና። በዚ፡ ኣባላት ጕባኤ ካብ ኵሉ ኵርንዓት ናይ ዓለም፡ ማለት ካብ ኵለን ኣውራጃታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ካብ መብዛሕትአን ሃገራት ኣውሮጳ፡ ካብ ፍሉጣት ከተማታት ኣውስትራልያ፡ ካብ ስዑዲ ዓረብን ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝመጹ ምዃኖም ተገንዚብና። ካብ ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን፡ ብፍላይ ድማ ካብ ግብጽን ሱርያን ዝመጹ ተሳተፍቲ ግን ኣይነበሩን። እዚ፡ ምናልባት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዘይብሉ ቦታታት ወይ ድማ፡ እቲ ካብ ካርቱም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገብረ ምቕያር ናይ ቦታ ዝፈጠሮ ናይ ቪዛ ሕልኽልኻት ውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብድሕር’ዚ፡ ናይ 5 ዓመታት ጸብጻብ ናይ’ቲ ውድብ ፍጻሚታትን ንጥፈታትን ሰሚዕና፤ ሰክረታርያ ናይ ጕባኤ ክትምረጽ ከላ ተኸታቲልና፤ ብዛዕባ’ቲ ዝቐረበ ጸብጻባት ዝተኻየደ ናጻን ግሉጽን ሓላፍነታውን ክትዕን ልዝብን፥ ዝቐረበ ሕቶታትን ዝተዋህበ መልስታትን ሰሚዕና። እቲ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ በቲ ቅድም ክብል ዝጠቐስናዮ ፍልልያትን ናይ ምፍንጫል ተረኽቦን፤ ከምኡ ውን፡ ብመስዋእቲ ኣቦ መንበር ውድብ ዝነበረ ስዩም ዑቝባሚካኤል ክጽሎ ግድን’ኳ እንተዀነ፤ ኣብ’ቲ ቀንዲ ጕዳያት ናይ ኤርትራ ፖለቲካዊ ሜዳ ዘተኰረ ኢዩ ነይሩ። እቲ ጸብጻብ፡ ምስ ብዙሓት መንግስታዊ ኣካላትን፥ ብጕዳያት ኣፍሪቃን ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ከምኡ ውን፡ ብጕዳያት ስደተኛታት ዝግደሳ ትካላትን ኣብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ዝተገብረ ርኽክባትን ዝተሓፍሰ ዓወታትን ዝጠቕስ’ዩ ነይሩ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ እቲ ጸብጻብ፡ ብዛዕባ ገዳይምን ሓደስትን ኤርትራውያን ስደተኛታትን፤ ጕዳይ ካብ ኤርትራ ዝሃድሙ ዘለዉ መንእሰያትን፤ ነዚ ኵነታት’ዚ ኣብ ምግጣምን፤ ነቶም መንእሰያትን ኣብ ምእላይን ሽግራቶም ኣብ ምቅላልን ንተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ካልኦት ተቓወምቲ ውድባትን ዘጋጥም ዘሎ ብድሆታት ብዝርዝርን ብተገዳስነትን ዝገልጽ ጸብጻብ ነበረ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ማእከል’ቲ ጕባኤኛ ኮፍ ኢልና፡ ውድባዊ መደብ ዕዮን ውሽጣዊ ስርዓትን ክንበብን፥ መሪሕነት፡ ኣብ ዝገበሮ ገለገለ ምምሕያሻትን ዘቕረቦ ርእይቶታትን ክትዕ ክካየደሉን ሰሚዕና። ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣብ ዝቐረበ ፖለቲካዊ ወረቐት ወይ ፖለቲካዊ ፕሮግራም፡ እንተላይ እቲ ሰውራዊ ባይቶ ዘተኣታተዎ ዘይምእኩል ስርዓተ-ምሕደራ፡ ማለት፡ ናይ ማእከላይ መንግስቲ ስልጣን፡ ንኣውራጃታትን ወረዳታትን ዓድታትን ከተማታትን ዘካፍል ስርዓተ-ምሕደራ ዝብል ሓድሽ ኣቕጣጫ ውን ክትዕ ክካየደሉ ከሎ ተዓዚብና። ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ’ዚ ዝምልከት፡ ነቲ ዝቐረበ ሓሳብ ዝነቅፍ፡ ፈደራሊዝም ወይ ብሄር ናብ ናይ ምግንጻል መንገዲ ዝመርሕ’ዩ ዝብል ርእይቶ ከይተረፈ ዘጠቓለለ፡ ክብ ዝበለን ስነ-ፍልጠታውን ክትዓት ተኻይዱ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ እቲ ውድብ ክኽተሎ ዝጸንሐ ሕውስዋስ ምጣነ-ሃብታዊ ዝብል ፖሊሲ ብናጻ ዕዳጋ ዝብል ናይ መጻኢ ናይ ምጣነ-ሃብቲ ፖሊሲ ዝትክእ ሓድሽ ኣርኣእያ ክትዕ ተኻይዱሉ። ኣብ ክሊ’ዚ ዓሚቝ ክትዕ ዝተኻየደሉ ኣብ ዓለም ንዝርኣዩ ዘለዉ ለውጥታት ዘካተተ ብክኢላታት መጽናዕቲ ዝተገብረሉ ናይ ናጻ ዕዳጋ ፖሊሲ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ድኻታት ክፋላት ናይ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ጕድኣት ከየውርድ ስግኣቶም ዝገልጹ ብርክት ዝበሉ ወድዓውያን ርእይቶታት ካብ ጕባኤኛታት ቀሪቦም። ኣብ’ዚ ጕዳይ’ዚ፡ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ነቲ ክትዕ መዕለቢ ገይርሉ። ኢብራሂም፡ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ቍጠባዊ መስርሕ ኣብ ሰለስተ መሰረታውያን ባእታታት፡ ማለት ኣብ ምምሕዳርን ምንጪ ሃብትን ርእሰ-ማልን ኢዩ ዝምርኰስ ኢሉ። ኤርትራ ብቕዓት ዘለዎ ቍጠባዊ ምምሕዳርን እኹል ምንጪ ሃብትን ክህልዋ ይኽእል ኢዩ፤ ግን፡ ኤርትራ ኣካል ናይ’ተን ድኻታት ሃገራት ስለዝዀነት እኹል ርእሰ-ማል የብላን ብምባል መብርሂ ሂቡ። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ ኤርትራ፡ ዕዳጋታታ ንናይ ወጻእን ሃገራውን ርእሰ-ማል ክትከፍት ይግብኣ ኢሉ። ናይ ወጻኢ ርእሰ-ማል ንምስሓብ ብሩህን ተዓጻጻፍን ሕግታት ምህላው ሓደ ካብ’ቶም ኣገደስቲ ረቛሕቲ ምዃኑ ውን ገሊጹ። ስለ’ዚ፡ ዋሕስነት ናይ ሕብረተ-ሰብን ሃገራዊ ርእሰማልን ዘረጋግጽ፡ ክእለት ዘለዎ ምምሕዳራዊ ዓቕምን ቅኑዕ ቍጠባዊ ፖሊሲታትን ምውናን ኢዩ ብምባል ደምዲሙ።

ጕባኤ፡ ንጕዳይ ዋንነት መሬት ኣብ ኤርትራን፡ ብስርዓት ኢሳያስ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰታትን ዘይሕጋዊ ምምንዛዕን ብዕምቈት ተመያይጥሉ። ጕባኤ፡ መሬት ኣብ ኢድ ህዝቢ ክጸንዕ ከምዘለዎ ድሕሪ ምርግጋጽ፤ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምምንዛዕ ናይ መሬት ኰኒኑ። እዚ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኣብ’ቲ ጕባኤ ዘጽደቖ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ፡ እቲ መንግስቲ ካብ ዋናታቱ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ዝመንዝዖ መሬት፡ ብሕጋውን ፍትሓውን ኣገባብ ናብ ዋናታቱ ክምለስ ከምዘለዎ ውን ወሲኑ። እዚ ክውስን እንከሎ ግን፡ ኣብ ግብሪ ኣወዓዕላኡ ብዙሕ ጸገማት ክፈጥር ከምዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታው ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ገለገለ ካብ’ቲ መሬት ንንጹሃት ዜጋታት ኢዩ ዝሽየጥ ዘሎ። እዞም ዜጋታት እዚኣቶም ከኣ፡ ኣብ’ቲ ዝገዝእዎ መሬት ብዙሕ ተወሳኺ ገንዘብ ኣውጺኦም ይሓርስዎ ወይ ድማ ኣባይቲ ይሃንጽሉ ስለዘለዉ ኢዩ።

ጕባኤ፡ ኣስዒቡ፡ ነቲ ብሰውራዊ ባይቶ ዝቐረበ፡ ንተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ናብ ፖለቲካዊ ሰልፊ ዘሰጋግር ፖለቲካዊ ወረቐት ወይ መጽናዕቲ ተመያየጠሉ። እቲ ናብ ሰልፊ ምስግጋር ዝብል መደብ፡ ብመሰረት ፈጻሚ ሽማግለ ቅድም ክብል ዘቖማ ናይ መጽናዕቲ ኮሚቴ ዝቐረበ ለበዋታትን ርእይቶታትን ዝሓዘለ ነበረ። ኣብ’ዚ ጕዳይ’ዚ ዝተኻየደ ክትዕ፡ ኣብ መንጐ ለውጢ ዝደልን ነቲ ዘሎ ክቕጽል ዝደልን፤ ኣብ መንጐ ኣወንታታቱ ዝርኢ ሸነኽን፡ ኣብ መንጐ ኣሉታታቱ ዝርኢ ካልእ ሸነኽ ክኸውን ባህርያዊ ኢዩ። እንተዀነ ግን፡ ናይ ለውጢ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ኣብ ግብሪ ክውዕል ዘይምኽኣሉ ብዘየገድስ፥ ዘሎናዮ መድረኽ "ተጋድሎ ሓርነት" ዝብል ስም ዝጸውር ኣይኰነን፤ ምኽንያቱ ከኣ፡ ቃልስና ምእንቲ ፖለቲካዊ ለውጢ ደኣ/ምበር፡ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣይኰነን ዝብል ነጥበ-ክትዕ ኣዕጋቢ ኰይኑ ተረኽበ። ስዒቡ፡ እቲ ሰልፊ፡ ሕጂ ካብ ጕባኤ ይተኣወጅ ዝብልን፤ ኣይኰነን፡ ነቲ ምስግጋር ናብ ሰልፊ ዘቕረበት ናይ መጽናዕቲ ኮሚቴ እትድግፎ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ድሒሪ ጕባኤ ዝብል ርእይቶን ምይይጥ ተኻየደ። ኣብ መወዳእታ፡ ምስ ተቓወምቲ ውድባትን ጕጅለታትን ውልቀሰባትን ብምምይያጥ፡ ነቲ ሰልፊ ምምስራት ዝብል ሓሳብ ዝድግፍ ሰፊሕ ባይታ ንምፍጣርን፤ ኣብ’ቲ ዝምስረት ሰልፊ ክጽንበሩ ክንጽውዖም ዘይኰነስ፡ ኣብ ምምስራቱ ክሳተፉ ንምግባሮምን ግዜ የድሊ’ዩ ዝብል ርእይቶ ተቐባልነት ረኸበ። እንተዀነ ግን፡ ካልኦት ውድባትን ጕጅለታትን ይቀበልዎ ኣይቀበልዎ ብዘየገድስ፡ እቲ ሰልፊ፡ ንካልኦት ሓዊሱ ይኹን ወይ ድማ ኣብ ኣባላቱ ጥራሕ ተመርኲሱ፡ ኣብ ክሊ’ቲ እተወሰነሉ ግዜ ክምስረት ከምዘለዎ ጕባኤ ኣረጋገጸ። እዚ፡ ስጕሚ ብስጕሚ፡ ንኻልኦት እናሳተፈ ናብ ምምስራት ሰልፊ ዘሰጋግር ፕሮግራም ውን፡ ሰውራዊ ባይቶ ካብ ዝወሰዶም ሓደስቲ ተበግሶታት ወይ ሓደስቲ ምህዞታት ሓደ ምዃኑ ዝእመን ኢዩ። ከም ባህርያዊ ውጽኢት ናይ ኣብ ኵሉ ጕባኤታት ዘጋጥም ናይ ኣስማት ምቅይያር መስርሕ፤ ኣብ 6ይ ጕባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ውን፡ ምስ ካልኦት ውድባት፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ናይ ምስምማዕ ተኽእሎ ስለዘሎ ድዩ ምእዋጅ ናይ ሰልፍና ነሰጋግሮ ዘሎና? ከምኡ ውን፡ ናይ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ መደብ ዕዮን ናይ ሰልፊ መደብ ዕዮን ብሓደ ግዜ ምክያድ ወይ ምምሕዳር ይከኣል ድዩ? ዝብሉን ካልኦት ሕቶታትን ቀሪቦም ኢዮም። እቲ ዝሓለፈ መሪሕነት፡ ምስ ካልኦት ውድባት ዝተበጽሐ ስምምዕ ከምዘየለ፡ እቲ ናብ ሰልፊ ናይ ምስግጋር ውሳኔ ካብ ኣድላዪነቱ ጥራሕ ከምዝብገስ ብምግላጽ፡ ነቲ ምእዋጅ ናይ ሰልፊ ክጸንሕ ኣለዎ ዝብል ዝቐረበ መደብ ደገፉ ኣረጋገጸ። በዚ፡ ምምስራት ናይ ሰልፊ፡ ምስ ካልኦት ውድባትን ጕጅለታትን ውልቀሰባትን ኣብ መጻኢ ምስ ዝግበር ልዝባት ኢዩ ተገዲፉ። ኣብ መደምደምታ ድማ፡ ግባኤኛ ምሉእ ብምሉእ ነቲ ብሰውራዊ ባይቶ ዝቐረበ ሓሳብ ተቐቢልዎ።

ብድሕር’ዚ፡ 33 ኣባላትን 4 ተጠባበቕትን ዝምረጽሉ መስርሕ ምርጫ መሪሕነት ወይ ሰውራዊ ባይቶ መጸ። ጕባኤ፡ ነዚ ናይ ምርጫ መስርሕ እተካይድ 9 ዝኣባላታ፡ ኣነ ውን ከም ሓደ ካብ’ቶም ኣብ’ቲ ጕባኤ እተሳተፉ ተዓዘብቲ ጥራሕ ዘይኰነስ፥ ኣቦ መንበራ ኰይነ ዝመራሕክዋ ናይ ምርጫ ኮሚቴ ኣቘመ። ከምኡ ውን፡ ንመስርሕ ምርጫ ንምምሕዳርን ብደቂቑ ንምክትታልን ዕድል ተዋህበኒ። እቲ መስርሕ ምርጫ ንጹህን ናጻን ግሉጽን ምንባሩ ንምግንዛብ ከኣ፡ ውጽኢቱ ኣብ’ቲ ህዝቢ ብብዝሒ እተሳተፎ ንመዕጸዊ ጕባኤ እተዳለወ በዓል ብኣምራጺት ሽማግለ ምእዋጁ ምጥቃስ ጥራሕ ኣኻሊ’ዩ ዝመስለኒ። ጕባኤኛታት፡ ብሓሳብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፡ ብናቶም ኣገባብ ዲሞክራሲ ኣብ ናይ ስደት ሃገር ኣብ ግብሪ ይትርጕሙ ከምዘለዉ ኰይኑ እናተሰምዖምን ናጻን ርጉእን መጻኢ ክዀነሎም እናተመነዩን፡ ነቲ ብቐዳምነት ናይ ምርጫ ወረቐት ዝተዓደለን፤ ነታ ናይ መጀመርያ ናይ ምርጫ ወረቐት ኣብ ናይ ድምጺ ሳጹን ዘእተወ ሓው ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ ደው ኢሎም ብጣቕዒት ተቐበልዎ።

ሃነጽቲ ምልክታት፡-

  1. ናይ ርእይቶ ፍልልይን፡ እንደገና ናብ ሓባር ርእይቶ ምብጻሕን፡ ናይ ካልእ ርእይቶ ምኽባርን ሓደ ኣወንታዊ መለለዪ ናይ’ቲ ከይዲ ጕባኤ ምንባሩ፤
  2. ኣብ መጀመርያ፡ ናይ ርእይቶ ፍልልያት ይግሃድ፤ ስዒቡ እቲ ፍልልይ እናተጻበበ ኣብ መወዳእታ ናብ ደረጃ ምርድዳእ ምብጻሕ፡ ልሉይን ኣወንታውን ምልክት ናይ’ቲ ጕባኤ ምንባሩ፤
  3. ድሕሪ ነዊሕ ክትዓት፡ ኣብ ድምጺ ንዝወርዱ ጕዳያት ብምሉእ ወይ ሓውሲ ምሉእ ድምጺ ከምዝጸድቁ ምግባር ውን ካልእ ተወሳኺ መለለዪ ምልክት ናይ’ቲ ጕባኤ’ዩ ነይሩ፤
  4. ኣብ ኵሉ’ቲ ኣኼባታት፡ ካብ ትግርኛ ናብ ዓረብኛ ወይ ውን ካብ ዓረብኛ ናብ ትግርኛ ምትርጓም ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ማዕረ ወይ ሚዛናዊ ምንባሩ። እዚ ከኣ፡ ነቶም ትግርኛ ዝዛረቡ፡ እቲ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ንዓሰርተታት ዓመታት ብምስዳዶም ኣጥፊኦምዎ ዝነበሩ ኣፍልጦ ናይ ቋንቋ ዓረብኛ እንደገና ከሐድሰሎምን ከዘኻኽሮምን ምኽኣሉ። ናይ ሓባር ተረድኦ ናይ ምውናን ድሌት እንተዘይኰይኑ፤ ንሓደ ውሱን ቋንቋ ናይ ምክልኻል ትምክሕቲ ኣይረኣኹን። እዚ ሚዛናዊ ኣተሓሕዛ’ዚ ከኣ፡ ኣብ’ዚ ገለገለ ብጥርጡር መደባት ናይ’ቲ ንሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ናብ ትግርኛ ተዛራባይ ንምቕያር ብዝካየድ ዘሎ መደብ ናይ’ቲ ገዛኢ ስርዓት ዝተጸልዉ ጥሩፋት ባእታታት ዘርእይዎ ዝለዉ ናይ ትግርኛ ትምክሕቲ ዝገልጽ መድረኽ፡ ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ።
  5. መደባት ናይ ጕባኤ ካብ ዘዐወተ ረቛሕትታት ሓደ፡ መግቢ ዝብልዓሉን ኣኼባ ዝካየደሉን መደቀስን ኣብ ሓደ ቦታ ምንባሩ ኢዩ።

ምልክታት ናይ ሕጽረታት፡-

ናብ ጕባኤ ዝቐረበ ናይ መጽናዕቲ ወረቓቕቲ፡ ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ጕባኤ ዝቐረበ ጸብጻብን፡ ብመሪሕነት ምምሕያሻት ተገይሩሎም ዝቐረቡ ለበዋታትን፡ ብኽልቲኡ ቋንቋታት ተተርጒሙ ዘይምቕራቡ ጕድለት ነይሩ። እዚ ከኣ ግዜ ኣብ ምኽሳብን ዘየድሊ ጻዕርታት ካብ ምግባር ከድሕን ምኸኣለ ነይሩ። ከምኡ ውን፡ ቀጥታዊ ዝዀነ ኣፍኣዊ ምትርጓም፡ ሓድሓደ ጊዜ፡ እተፈላለየን ዘይተመጣጠነን ተረድኦታት ከሕድር ዝኽእል ምዃኑ ዝስሓት ኣይኰነን። እዚ ግን፡ ነቲ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጕባኤ ዘጋጠማ ሃንደበታዊ ዝዀነ ናይ ቦታ ጕባኤ ምቕያር ውሳኔ ዘሕድሮ ተጽዕኖታት ኣብ ግምት እናእቶና እነንብሮ ዘሎና ትዕዝብቲ ምዃኑ ብሩህ ክኸውን ኣለዎ።

መደምደምታ፡-

ጕባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብፍላይ ከኣ፡ ዘጋጠሞ ናይ ግዜን ቦታን ብድሆታት፤ ካብ ኵሉ ኵርንዓት ናይ ዓለም ዘሳተፎም መሰረታቱን፤ ከምኡ ውን፡ ነቲ እቲ ውድብ ኣብ ዝሓለፈ መድረኽ ዘጋጠሞ ኣሉታዊ ናይ ምፍልላይ ኵነታት ምስጋሩን፤ ኣብ ጽንኩር ኵነታት ዘጋጠመ መስዋእቲ ስዩም ዑቝባሚካኤልን፤ ከምኡ ውን፡ እቲ ጕባኤ ዝበጽሖም መደምደምታታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብዅሉ መዐቀኒታት ዕዉቱን ስኒት ዝመልኦን ጕባኤ ኢዩ ነይሩ። ኣብኡ ተሳቲፍና ካብ ዝደሃሰስናዮ ናይ ታሕጓስን ዓወትን ስምዒታት ናይ ኣባላት ጕባኤ፡ እቲ ውድብ ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ከምዝበጽሐ ዘረጋግጽ ምንባሩን፤ ነቲ ብ4 ነሓሰ 2006 ኣብ ጀርመን ዘዳልውዎ ዓመታዊ ፈስቲቫል ንምዕዋት መዓንጣኦም ሸጥ የብሉ ከምዘለዉን ክንምስክር ንፈቱ።

ኣብ ቅድሚ ሰውራዊ ባይቶ ተደቂኖም ዘለዉ ብድሆታት፡-

ምስ’ቲ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዘለዎ ባህግታት (ጥሙሓት) ዝመጣጠኑ ብድሆታት ኣብ ቅድሚኡ ተደቂኖም ምህላዎም ዘጠራጥር ኣይኰነን። ካብ’ቶም ቀንዲ ብድሆታት ከኣ፡ ነቶም ኣብ ጕባኤ ብክለሳ-ሓሳብ ደረጃ ዘረጋገጾም ጕዳያት ኣብ ግብሪ ምትርጓሞምን፤ ምስ ካልኦት ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝገብሮ ልዝብ ክብ ብምባል፡ ንስርሓት ናይ ሓይልታት ተቓውሞ ድፍኢት ብምሃብ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ብዙሕነት ናይ ባህልን ሃይማኖትን መበቆልን ኣብ ግምት ዘእቱ ብቑዕ መተካእታ ክኸውን ዝኽእል ሰፊሕ መሰረታት ከነጣጥፍ ምኽኣልን ኢዩ። ብፍላይ ከኣ፡ ነቲ ውድብ፡ ብሓደስቲ ወለዶ ናይ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ተመሃሮን ምትካእ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ዓቢ ብድሆ ኢዩ። እዚ ክንብል እንከሎና፡ ሰውራዊ ባይቶ፡ ድሕሪ 6ይ ሃገራዊ ጕባኤ ኣብ ዘካየዶ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብሓደ ካብ’ቶም ንጡፋት ባእታታቱ ዝምራሕ፡ ቤት ጽሕፈት መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ከቅውም ዝወሰዶ ውሳኔ ኣብ ግምት ብምእታው ኢዩ። እዚ ውሳኔ’ዚ ከኣ፡ ኣገዳስነት ናይ’ቲ ጕዳይ ክሳዕ ክንደይ ኣዕዚዙ ርእይዎ ከምዘሎ ዘረጋግጽ ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ከም መደምደሚ ናይ’ዚ ብሰንኪ ጸገማት ናይ መራኸቢ መሳለቲታት ናይ’ዚ ሃገር ደንጒዩ ዝመጸ መግለጽየይ፡ ብስመይን ብስም ኣብ ማእከል መጽናዕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምሳይ ዝሰርሑ ብጾተይን፡ ንመሪሕነትን መሰረታትን ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ኣብ ጕባኤኦም ንኽሳተፍ ዝገበሩለይ ክቡር ዕድመን፥ ዘርኣዩኒ ግሉጽ ኣሰራርሓን፥ ኣብ መዓርፎ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝበጻሕኩሉ ህሞት ኣትሒዞም ክሳዕ እዛ መልእኽቲ’ዚ ጽሒፈ ዝውድኣ ዝገበሩለይ ጽቡቕ ኣቀባብላን ምስጋናይን መጐሰይን ክገልጽ እፈቱ።

መሓመድ ዑስማን ኤሎስ
eylos@maktoob.com




Top of Page

© Copyright 2004 Awate.com. All rights reserved. This material may not be published, broadcast, rewritten or redistributed without written consent from the Webmaster@awate.com.

Tigrigna
Latest Headlines
ልሳን-ህዝቢ
ውልቃዊ ትዕዝብቲ ኣብ እዋናዊ ምዕብልናታት
“ጕዕዞ ሓርነት ጕዕዞ ምድረ-በዳ ኣይኮነን”
ካብ ውሳኔታት 6ይ ጠቕላል ሃገራዊ ጕባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ - ምምስራት ሰልፊ
6ይ ሃገራዊ ጕባኤ ተሓኤ-ሰባ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ስራሕ ዝግበር ድህሰሳ ንግሉጽነት
ሕጊ-ግደፍ : ገዳፋት ንጸላእቶም: ጨካናት ንኣሕዋቶም
ናይ ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታ ናይ እገዳ ናጻ ፕረስ መተካእታ
“መንቐርቐር”
ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ምስ ኪዳን ወይስ ኣብ ትሕቲ ኪዳን?
ሓደ ሕዝቢ ሓደ ልቢ - ብኣፍዶ ብግብሪ!

© Copyright 2004 by Awate.com