ብቐዳምነት ነቶም ዓለም ብመርበብ ሓበሬታ ከም ትራኽብ ዝገበሩ ሊቃዉንቲ ደቂ ሰባት ብጣዕሚ የደንቖም፤ ንኹለን ነተን ናይ ሕዝብና ሽግርን ጸበባን ንምግላጽን፤ ናጻ ጽሑፋትን ርእይቶን ኣተሓሳስባን ሕዝብና ንኽምዕብል ዝቃለሳ ዘለዋ ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታት
ከኣ ልባዊ ምስጋናይ ይብጻሓየን።
ንኩሎም ግዜኦም ኣወፍዮም ጽሑፋቶምን ሓሳባቶምን ርእቶኦምን ዘወፈዩን ጌና ዘወፍዩ ዘለዉን ኣድናቖተይ ይገልጽ፤ ብወገነይ እውን ኣነ ካብ ጽሑፋትኩምን፤ርእቶኹምን ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ብዙሕ ከምዝተመሃርኩን ከምዝማዕበልኩን ደስ እናበለኒ ይገልጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣንባባይ ጥራይ ከምዝነበረኩ፤ ካባኻትኩም ተማሂረ ከኣ ናብ ርእቶይን ኣተሓሳስባይን ብዘይ ገለ ተጽዕኖ ክጽሕፍ እውን ጀሚረ ከምዘለኹ ብታሕጓስ ክሕብር ደስ ይብለኒ።
ሓደ ሓደ ሰባት ከምዝብልዎ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ፖሊቲካ ኤርትራ ብዙሕ ተጻሒፉን ተባሂሉን ኢዩ፤ ኣብ ግብሪ ምትርጓም ኢዩ ተረፉዘሎ ይብሉ፤ ግን ኤረትራ ሃገረና ከም ሓዳስ ሃገርን ከም ንመጀመርያ ብነብሳ ክትመሓደር ትፍተን ዘላ ሃገር ስለ ዝኾነት፤ ክንጎዓዞ ተሪፉና ዘሎ መንገዲ ነዊሕ ኢዩ፡ ንንሕድሕድና ክንመሃሃሮ ዘሎና ፍልጠት
እውን ብዙሕ ኢዩ፡ ክጽሓፍ ዘለዎ እውን ብዛዕባ ፖሊቲካዊ ሓዘል ጽሑፋት ጥራይ ኣይኮንን።
ስለዚ ንኩሎም ነቶም ብዓቕሞም ብዙሕ ተኽእሎን ከበርክቱን ዝኽእሉ ከኣ ንኽጽሕፉ ክውስኑ ሓደራ ይብል።
ኣብ ቀንዲ ኣርእስተይ ክምለስ ኣነ ከተኩረሉ ደሊየ ዘለኹ ግን፤ ብዛዕባ ጉዳይ ሃገርና ኤርትራ ዝግደሳ መርበብ ሓበሬታት ኢየ። ኩሉ እቲ ናይ መርበብ ሓበሬታት ንምክትታል ዕድላት ዘለዎ ሕዝብና ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ኩነታት ሃገሩ ካብ ናጻ ምንጭታት እቲ
ቅኑዕ ኢዩ ዝብሎ ሓበሬታ ክረክብ ተኽእሎ አሎ።
ከምቲ ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታ ብዙሕ ዝመሃረ ዶክቶር ርእሶም ሃይለ መነገስተ ሰማይ ዮዋርሶ ፤ መርበብ ሓበሬታ „ዕዳጋ ልኻይ ኢየን ኮይነናልና ዘለዋ" ዝበሎ፤ ከምቲ ኣብ ዕዳጋ ልኻይ ከድካ ቃሕ ዝበለካ ዝበለጸ ልኻይካ ትገዝእ፤ ኣብ ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታት ቃሕ ዝበለካ ርእይቶ ክትጽሕፍ ወይ ከተንብብ ዕድላት አሎ።
ነቶም ንናጻ ፕረስ ክኣምኑ ዘይደልዩ፤ ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ዝዓወሩ፤ ብዘይ ተወዳዳራይ ንሕዝቢ ከደናግሩ ዝደልዩ፤ ግን ሕማም ርእሲ ኮይነናኦም ኣለዋ። ኣብ እቲ መጀመርያ ደረጃ እኳ ንሕዝብና ካብአን ከርሕቕዎ ዘይተገብረ ፈተነ ኣይነበረን ግን ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ስለ
ዝኾኖም ፈሺሎም ተሪፎም።
ብኣንጻሩ ግን ንናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳኦም ንኸቃልሑ፤ ንኣብ ሃገር ዘሎ ሕዝቢ ዝኣክል ባኒ ዘይቀረቡ፤ ነዞም ኣብ ስደት ዘሎና ዘይተኣደነ ወጻኢ ብምግባር ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳኦም ብሳተላይት ቲቪ ኣጽሚሞሞ። ግን ሃገርና ክሰሪ ኢልዋ ድኣ እምበር በዚ ናይ ምትላል ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳኦም ዝኣምኖም ዘሎስ ኣይመስለንን።
ስለዚ ኣድላይነት ናጻ ፕረስ ንሕጊ-ግደፍ ዔረ ይጥዓሞም ድኣ እምበር ንኤርትራ ሃገርናን ሕዝብናነሲ ንምዕባሌኡ ወሳኒ ረቛሒ ኢዩ።
እስከ ንኣብነት ኣብዘን እንነብረለን ዘለዋ ምዕራባውያን ሃገራት ንመልከት ክንደይ መጻሕፍትን፡ መጺሔትን፡ ጋዜጣታትን ንመዓልቲ ይጸሓፋ፤ ክንደይ ናይ ራድዮን ተለቪጅንን መደባት ኣብ መዓልቲ ኣሎ፡ ክትሓስቦ ጥራይ ዘገርምዶ ኣይኮንን፤ ግን ሓደ ነገር ኣሎ፡ ሕዝቢ ብናጻ ክሓስብን ክንቃሳቀስን እንተጀሚሩ፡ ምሉእ ሰብአውን ደሞክራሲያውን መሰሉ እነተተሓሊዩሉ፤ ፍትሕን ሕግን እንተ ነጊሱ፤ ሕብረተሰብኣውን፡ ፖሊቲካዊን፡ ቁጠባን ሓርነት እንተድአ ኣብ ሃገር ሃሊዩ፤ ሕዝቢ ዘይነጽፍ ባህሪዊ ፈልፋሊ ተኽእሎ አለዎ።
ከምኡውን ካልኣይ ኣብነት ክጠቅስ ናይ ምዕራብ ኤውሮፓ ሃገራትን፡ ምብራቕ ኤውሮፓ ሃገራትን ምዕባሌአን ነወዳድር፤ ብባህልን እምነትን ተመሳስለቲ፤ብሕብሪ ቆረበት እውን ተመሳስለቲ፡ ብተፈጥረዊ ሃብቲ እሞ በዓል ሩስያ ተዓዲሎም ኢዮም።
ኣብ ኣማዓባብልኦም ግን ዓቢይ ጋግ አሎ፤ ናይ ምዕራብ ኤውሮፓ ሃገራት ዝሓሸ ደረጃ ምዕባሌ ኣለዎም፡ ስለምንታይ ?
ናይ ምዕራብ ኤውሮፓ ሃገራትን እነተሪኢና፡ ኣብ ሕብረተሰብኣውን፡ ፖሊቲካዊን፡ ጠባን ሓርነትን፤ ኣብ ናጻ ፕረስን ናይ ናጻ ርእይቶ ምግላጽ ናጽነትን፤ኣብ ዲሞክራሲያዊ መሰላትን ጽቡቕ መንጸፍ ስለ ዘንጸፉ ዕዉት ዝኾነ ምዕባሌ ንሪኢ።
ሕጊ-ግደፍከ ! ናይ መን ኣሰር ይኽተል ኣሎ እንተበልና ብናተይ ርእይቶን ትዕዝብትን፤ ናይተን ኣብ ቅድሚ ዓለም ዝጠፈሻ ናይ ኮሚኒሰቲ ሃገራት ከም በዓል ሰሜን ኮረያን፡ ናይ ቀደም ኣልባኒያን ኣካያይዳ ኢዩ ዝኽይድ ዘሎ ዝመስል።
ስለዚ ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታት ንናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳን፡ ንኣካያይዳ ሕጊ-ግደፍ መኪተንኦ ኣጋሊጸንኦን ኢየን፤ ልክዕ ኢዩ መብዛሕትኡ ኣብ ውሸጢ ሃገር ዘሎ ሕዝብና ብዙሕ ዕድላት የበሉን ነዘን ዝተጠቕሳ ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታት ክካታተል፤ ግን ንሳትን እውን ኣብ ኢነተርነት ምጽሓፍ ጥራይ ተወሲንን ኣይተረፋን፤ ሓያሎ እውን ናብ ምሉእ ዓለም ዝዝርጋሕ ናይ ራድዮ ፕሮገራማትን መደባትን ተሰጋጊረን ኢየን።
ስለዚ ነዚ ኣብ ሃገረና ኤርትራ ብሕጊ-ግደፍ ወሪዱ ዘሎ እገዳ ናጻ ፕረስን፤ እገዳ ናይ ርእቶኻ ምግላጽ ናጽነትን፤ ምግባት ጋዜጣን፡ ራድዮን፡ ቲቪን፤ ናጻ ዝኾና ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታትን ራድዮታትን ንሕዝብና መተካእታ ኮይነንኦ ኢየን እሞ ምስጋናና ይብጻሓየን።
መሰል ናጻ ፕረስን፤
መሰል ናይ ርእቶኻ ምግላጽ ናጽነትን
መሰል ጋዜጠኛታትን ይትሓሎ