3 Currently Online
“መንቐርቐር”ኪሮስ ዮውሃንስ
መንቐርቐር ኣብ ጓህሪ ውዒልካ
ኣብ ጓህሪ ትሓድር
ወግሔ-ጸብሔ ጓህሪ ቐለብካ
ተምርር ንዕድል…
መዓስ ብዕጫኻ ተረቲዕኻ
ኒኢድ በጃ ክትኮኖ
ንስኻ ሞኽ ዝበልካዮ
ንምንታይ ኢዩ ኢድ ዝምስገኖ…?
ካን ዘንተ-ዕለት
ብጓህሪ እንዳሓረርካ
ስቕ ኢልካ ክትነብር ?
ገና ከሎ ሎሚ ጓህሪ ብድጕሉ
ከመይ ዝሕሸካ ዘይትመክር…
ገዛእ ነብስካ ሓራ ኣውጺእካ
ካብ ባርነት ኢድ ተገላገል
ነዚ እንተዘይወዓልካዮ ግና
ሓደው ሃጽ ኢልካ ጥፋእ
ዓዲ ኣርሕቕካ ሽርብ በል
ወይ ድማ
ኣብ ልዕሊ ርሄ ኢድ ሰፊርካ
ቝልዒ ኣንጥር
ኢድ ሞሽሉቕ
ኣጻብዕ ኣሕርር
ሻቡ…..
ኢድ ብዕሽነቱ ንጓህሪ ባዕሉ
ካብ ኣጎዶ…
ጡዑም እንተኾይኑሲ
ቅድም
ባዕሉ ዘይዓኵቶ
ባዕሉ ዘይነዶ….
Top of Page
© Copyright 2004 Awate.com. All rights reserved. This material may not be published, broadcast, rewritten or redistributed without written consent from the Webmaster@awate.com.
© Copyright 2004 by Awate.com