ሓደ ሕዝቢ ሓደ ልቢ እትብል ጭረሖ ሕጊ-ግደፋውያን ካብ 2000 ክሳብ 2003 ዓ. ፈ ዝነብረ ግዚያት ዓቢይ ዕዳጋ ዝነበራ ጭርሖ ኢያ ነይራ፤ ከም ኤርትራውያን ሓደ ሕዝቢ ምዃና ኣከራኻሪ ሕቶ ኣይኮነን፤ ሓደ ልቢ ክንከዉን ግን ባህርያዊ ኣይኮነን፤ እንቛዕ እዉን ኣይኮና ወይ ኩላትና ዓያሹ ወይ ከኣ ኩላትና ለባማት ምኾና።
ንሓያሎ ገርሀኛታት ወይ ዓያሹ ሰባት ግን ሓቂ ኮይኑ ስለ ዝተሰሞዖም ምስ ዓጽማ ዝዋሓጥዋ ኣይተሳእኑን፤ ከም ኩሉ ባዶ ጭርሖታት ከኣ እኒሆ በኒና ተሪፋ፤
ጭርሖ ብዘይ ግብሪ ዋጋ ስለ ዘይብሉ።
ኣብ ዝሓለፋ ሰለስት ዓመታት ከኣ „ሓድነት" ብብሓይሉ ዝነገሰ ገባቲ ስርዓት ሕጊ ግደፍን፤ ብተቃወምቲ ዉዱባትን ተዳጋጊማ እትእወጅ ባዶ ጭርሖ ኮይና ተሪፋ አላ።
በቲ ብሓይሉ ዝነገሰ ገባቲ ስርዓት እሞ ኣብዚ ዓመትዚ ናይ 2006 ብብዝሒ ዝተደጋገመት ቃል „ሓድነት" ኮይና ኣብ ፈስቲቫላት ሕጊ ግደፍ ሽልማት ክትወሃብ ኢያ።
ኣብቲ ዋና ዕላማይ ንክመለስ ሓድነት ማለት እንታይ ኢዩ ትርጉሙ፡ ሓድነት ካብ ሓደ ምዃን ዝመንጨወ ኣወንታውን ኣገደስን ዝኾነት ቃል ኢያ።ሓድነት፡ ሐደ ኣገዳሲ ዝኾነ ኣምር እዩ፡፡ ኣቦታት ክምስሉ „ኣሕዋት ምስ ዝሓበሩ ጸላእቲ የባረሩ" ይበሉ ኣማን ብኣማን
ከኣ ሓቂ ኢዩ፡ ሕዝቢ ኤርትራ ሓቢሩ ጸላእቱ ኣባሪሩ ኢዩ። ሓድነት ኣብ መነጎ ኣሕዋት፤ ሓድነት ኣብ መንጎ ስድራ ቤት፤ ሓድነት ኣብ ዓዲ፤ ሓድነት ኣብ እምነት፤ ሓድነት ኣብ ሃገር ኣገዳስነቱ ንማንም ሰብ ብሩህ ኢዩ።
ሕቶ ሓድነት ምስ ሃገር ክዛመድ ከሎ፡ እሞ ኣጸቡቑ ኣገዳሲ ትርጉም ዘለዎ፡ ኮይኑ ንረኽቦ፡፡ ምስ ሃገረ ኤርትራ ክዛመድ ከሎ እሞ ከኣ፡ ከም ጸሓይ በርቂ ብሩህ ይኸውን፡፡
መበቆል ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕውስዋስ ይኹን ደኣምበር፡ ግዜ እንዳ ሓለፈ ምስ ከደ፡ ብዓጽመ-ስጋ ተሓናፊጹ እዩ፡፡ ንኣብነት፡ ኣብ መንጎ ኣውራጃታት ኣከለጉዛይን፤ ሰራየን፤ ሓማሴንን፤ ኣብ መንጎ ባረካን፤ ስኒሒትን፤ ሳሕልን፤ ሰምሃርን ደንካልያን ከምኡውን ኣብ ስደት ተሓናፊጹ እዩ፡፡
ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፍ መዋእለ ሰወራ ዝተፈጥረ ሕዝቢ ኣይኮነን።ሕዝቢ ኤርትራ ኣሽሓት ዓመታት ተኻኣኢሉን ተኻባቢሩን ዝነበረን ዝነበር ዘሎን ሕዝቢ ኢዩ።
አብዚ ግዜዚ ብሓይሉ ዝነገሰ ገባቲ ስርዓት ሕጊ ግደፍ፤ ንናይ ፖሊቲካ ረብሓታቱ ክብል ንሕዝብና ብኣፉ ሓድነት ይደርፈሉ፤ ብግብሪ ግን እሾኽ መርገም ይዘርኣሉ ኣሎ።
ሓድነት ኣብ ማዕርነትን ምክብባርን፤አብ ሕግን ፍትሕን ኣብ ግሉጽነትን ተወፋይነትን፤ አብ ደሞክራስን ሰላምን ፤ ኣብ ህዝባዊ ዕግበትን፡ ይሰረት፡ ንምዕቃቡ ከኣ ሓያል ጻዕሪ ይሓትት፡፡
ብሓጺሩ ኣብ ሓቃዊ ሓድነት ሰላም፤ ፍትሒ፤ማዕርነት፤ ደሞክራሲ፤ ኣከባባር፤ መሰል ካልኦት ወገናትካ ምሕላው ይነግሳ፤ እዘን ዝተጠቕሳ ነጥብታት ኣብ ግብሪ ምስ ዘይትረጎማ ግን፤ ይተረፈዶ ብሃገር ደረጃስ፤ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን፤ አብ መንጎ ወለድን ውላድን፤ ኣብ መንጎ ኣሕዋትን ኣሓትን እዉን ሓድነት አሎ ከበሃል ኣይከኣልን።
ንኣፋዊ ሓድነት! ባዕዳዉያን ገዛእትን፤ ሃገራዉያን ገበቲ ስልጣንን ብኣፎም ብዙሕ ክጥቀሙለንን ክጭርሑለንን ክደርፉለንን እዉን ይረኣዩ ኢዮም፤ ብግብሪ ግን ኣንጻር ሓድነት ኢዮም።
ኣብ ግዜ ስርዓት ሃይለሰላሴ ማሕበር አንድነት ዝበሃል እዉን ነይሩ ኢዩ፤ ግን ኣፋዊ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ብግዜ ስርዓት ድርጊ እዉን ከምኡ ዓይነት አሰማት በብዓይነቱ ነይሩ ኢዩ፤ ብግዜ ገበቲ ስልጣን ስርዓት ሕጊ-ግደውያን እሞ ከኣ ዓቢይ በቕሊ ዘይተስከሞ
ሽም ተሰኪሞም „ሕዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን" እናበሉ ብናይ ሓድነት ጭርሖ ጸሚምና ኢና፤ ብግብሪ ግን ባዶ ኮይኑ፤ ግዳይ ስሞም ኮይኖም ተሪፎም ኣለዉ።
መሰረታዊ መሰል ሕዝቢ እንተ ዘየኽቢሮም፤ ስልጣን ናይ ሕዝቢ ምዃኑ እንተዘይ ኣሚኖም፤ ሕግን ፍትሕን ቁንቁላፉ እንተ ደፊኦም፤ በየናይ ስነ ሞጎት ድኣ ኢዩሞ ሓድነት ክገልጽዋ።
ሕዝብና ግን እንትርፎ ብባዕዳዉያን ገዛእቱን፤ ብገበቲ ስልጣን ሕጊ ግደፍ ዘጋጦሞ መሰናኽል፤ ሓድነቱ ተሪር ከም ሓጺን ምዃኑ ኣብ ታሪኹ ኣረጋጊጹ ኢዩ፤ ከምዚ እነተዘይከዉን እሞ ኤርትራ ናጻ ኣይምወጸትን፤ ከም ሃገር እዉን ኣይምሃለወትን።
ኣብቲ ናይ መጨረሻ ዘመነ ቃልስን ኣብ በኹሪ ዓመታት ናፅነትን፤ ሓድነት ሕዝብና አብ ናይ መወዳእታ ጥርዙ በጺሑ ነይሩ ኢዩ።ሕጂ ግን ንጠቕሞምን፤ ንገበተ ስልጣኖምን ክብሉ ሕጊ-ግደፋውያን ብኣፎም ሓድነት እናዘመሩ ብግብሮም ግን እሾኽ መርገም ይዘርኡ አለዉ። ምኽንያቱ ሓድነት ሕዝቢ ንገበተ ስልጣኖም ብሓቂ ስለ ዘርዕዶ፤ ሓድነት ሕዝቢ ክልሕላሓሎም ናይ ግድን ኮይኑዎም አሎ።
ሕዝብና ሂወቱን፤ ሂወት ደቁን፤ ንብረቱን፤ ክእለቱን፤ ከፊሉ ዝተርካባ ልዕላዊት ሃገርና ኤርትራ ጥሪቶም ክገበሩዋ ይፍተኑ አለዉ
፤ ግን ሕልሚ ደርሆ ኢዩ።
እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ግን ንስልጣኖም ክብሉ ውግእ ምጽሕታሮም ኢዩ፤ ኣብ ናይ ናጽነት ቃልሲ ዝተሰውኡ ከይኣኽለና፤ኣብ አድላይነት ዘይነበሮ ናይ ዶብ ውግእ ደቕዲቖምና እዮም፤ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ተራኢዩ ዘይፈልጥ ናይ መስዋእትነትን፤ ምዝንባል ሕዝብን፤ ዕንወት ንብረትን ከአ ኣኸተለ።
ብፍላይ ድሕሪዚ ኩነታት እዚ ካብ ሕዝቢ ዝምጾም ሕቶታት ከም ኣሰሓይታ ሰለ ዘፍርሖምን፤ ነብሰ ተኣማንነት ስለዘጥፉኡን፤ ብሓይሊ ብረትን፤ ማእሰርትን፤ ብዝሒ ሓሰውትን ሃገር ክገዝኡ ይፍተኑ አለዉ፤ ሓድነት ሕዝቢ ምድኻም ከኣ ሓደ ካብቲ
ዝዓበየ ብሮጀክት ገቢሮም ወሲደሞ አለዉ።
ናይ ሕዝቢ ቅዋም ክሪኡዋን ክዝክርዋን ኣይደሊዩን ኢዮም፤ ኣብ ትሕቲ መሬት ከምቶም ስዉኣት ተቐቢራ ኢያ፤ ጉዳይ ዶብ እዉን መሕቢኢ ድፋዖም ኢያ ኮይና ዘላ፤ ክትፍታሕ እዉን ዝደልይዋ ኣይመስሉን።ጉዳይ ዶብ ካብ ሕግን ፍትሕን ምንጋስ፤ ካብ ደሞክራሲያዊ ስርዓተ መንግሰቲ ምትካል፤ ምርጫ ምክያድ ዝኽልክል ኣይኮነን ግን ከም ምኽንያትን መሕቢኢትን ይጥቀሙላ አለዉ። ንኣብነት እስራኤል ንውሰድ ካብ 40 ዓመት ንላዕሊ ዝወሰደ ዘይተነጸረን፤ ብሓይሊ ዝሓዝዎ መሬት በዓል ሶርያን አሎ፤ ምስ ፓለስቲን ዘሎ ኩነታት ኣብ ተለቨጅን ንሪኦ ኣሎና፤ መዋእሎም ኣብ ተጠንቐቕ ኢዮም ዘለዉ፤ እንተኾነ ግን ኣብ እስራኤል ዲዕ ዝበለ ቅዋም አለዎም፤ ዲሞከራሲያዊ ስርዓት አሎ፤ ሕዝባዊ ምርጫ ከምቲ ልሙድ በብግዜኡ የካይዱ። አበይ ድኣ አሎ እቲ ጸገም !!
ኣብ ቀንዲ ኣርእሰተይ ክምለስ፤ ጉዳይ ሓድነት ኣብ ሕዝብና ከመይ አሎ፤ ሕጊ ግደፋውያን ብጉዳይ ሓድነት ብኣፎም ብዙሕ ዝተጨነቑ ኢዮም ዝመስሉ፤ ብግብሪ ግን ንሳቶም ኢዮም ዘራእቲ እሾኽ መረገም ! ንሳቶም ኢዮም ከኣ ጸረ ሓድነት።
ደርፎምን ጸርፎምን ወገናውያን፤ ወያናውያን ኢዩ፤ ኣከለ ጉዛውያን፤ ሃይማኖታውያን፤ ክብሉ መሬት ዓሪብዎም፤ ብግብሪ እንተተዓዚብና ግን መን ዲዩ ስልጣን ገቢቱ ንደቂ መዛሙረቱ ጥራይ ዝዕድል ዘሎ፤ መን ዲዩ ! ሕዝቢ ዓዱ፤ ከተምኡ፤ ወረድኡ፤ ኣውራጅኡ፤ ባዕሉ ብዝመረጾም ወከልቱን ኣመሓደርቱን ከይምራሕ ከልኪሉ፤ ብደቂ መዛመርቱ ጥራይ ጌሩ ብዘይ ድሌት ሕዝቢ ዘመሓድር ዘሎ፤ መን ዲዩ ! ኣብ መንጎ ሃማኖታት እናኣተወ ፋሕ ብትን ዝእቱ ዘሎ፤ መን ዲዩ ኣብ መንጎ ሕዝብና ዘይምትእምማን ክፈጥር ሑኽ ዝብል ዘሎ ! መን ዲዩ ! መሬት ዓደቦና ብሓይሉ መንጢሉ ንወገናቱ ጥራይ ዝዕድል ዘሎ ካብዚ ዝኸፍእ ወገንነትዶ አሎ ኢዩ !!!