ኣቶ ዘውደ ገብረገርጊስ ብርሃኑ ብሞት ተፈልዩና፤ ጽንዓት ንወለደኛ ንዕኡ ከአ መንግሥተ ሰማይ የዋርሶ፡፡
ገለ ምስኡ ዝሐለፈ ጕዕዞ ስለ ዘሎኒ ንጽንዓቱ አብ ዕላማ ዘኪረ ብወገነይ እዛ ሐጻር ተመክሮ ንጽንዐቱ መርአያ አወፍየሉ አሎኹ፡፡
ተጋዳላይ ዘውደ ኣብ መወዳእታ 1977 ዓ.ም.ፈ አብ ቤት-ሕክምና ከሰላ - አብ ወሽመጥ ኤርትራውያን ተባሂሉ ተፈልዩልና ዝነበረ ገበላ - ሽዑ አብ ዓራውቲ ተጸጢሕና ካብ ዝነበርና ከባቢ 30 ውጉአት ተሓኤ (ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ) ሐደ ምንባሩ እዝክር፡፡ ካብቶም አብ ክሊኒክ ውድብ ተሓኤ ዝነበሩ ብጾት ነዞም ናይ ቤት-ሕክምና ሱዳን ዝፈልየና ክብደት ስንክልናና ነይሩ፡፡ መደብ ውድብና ድማ ቀልጢፉ-ደንጕዩ ንካርቱም ምልአኽናን፣ ነዞም ከቢድ መቚሰልቲ ዝነበረና ብፍላይ ከአ ንርሑቕ ወጻኢ ንምስዳድ ነይሩ፡፡ ካብተን ብቡዙሕ ዓሠርቴታት ዝወሰዳ ሃገራት ድማ ግብጺ፣ ዒራቕ፣ ዓዲጥልያን እዝክር፡
ካብ ፈለማ 1978 ጀሚሩ አብ ዝነበረ 3 አዋርሕ ጥራይ ክሳብ 70 ዝዀኑ ውጉአት፣ ብፍላይ ንሠለስተ ካባና ድሮ ንዳርጋ ፍርቂ ዓመት አብ ዓራት ብዳገፌታ እንግልበጥ ዝነበርና፣ ሐሊፎም ንካርቱም ክልአኹ ብምፍላጥና ንተጸዋዕቲ ውድብና ክንሐትት ተገዲድና፡፡ መልሶም፦ "ብእቶቡስ ይኹን ብተራ ባቡር አይትኽእሉን ኢኹም፡፡ ብነፋሪት ምስናይ ቃሬዛኹም ክትጓዐዙ ከአ አይፍቀደልኩምን፡፡ ስለዚ ኣብ ባቡር-ምድሪ ዓራውቲ ክንሐዝአልኩም ኢና" ዝብል ተዋህበና። በዚ ከአ መዓልቲ አኺሉ፣ ንኣና፣ ማለት ዘውደ ገብረገርሪስ ብርሃኑ፣ ሠመረ ገብረገርጊስ ምስግና፣ ተክልሰንበት ተኽላይን አብ ወርሒ መጋቢት 1978 አብ መደበር ባቡር ወሰዱና፡፡
እቲ ባቡር ካብ ፖርትሱዳን ንከሰላ ዝጓዐዝ ንገለ ደቓይቕ አብ ከሰላ ደው ኢሉ ተሳፈርቲ ዝቐያይር ብምንባሩ ንመሳሰይትና ዘየጽንዕዎ ሐድሽ ባእታ ፈጠረሎም፡፡ ዘውደ መውጋእቱ አብ ምሕኩልቱ ብምንባሩ ዋላ'ኳ መዀፍ ሽንቲ ተዀልኵሉ እንተነበረ ምልዐሉ ስለ ዝቐለሎም ልኡኻት ተጸዋዕትና አብ ክፍሊ ባቡር ማለት አብ ሐንቲ ናይ 8ሰብ መኾፈሊ አጋደምዎ፡፡ ቀጺሎም ንሠመረ አብቲ መንጎ ክልተ መጣምቲ ሰድያታት ዝነበረ ምድረባቡር ከቐምጥዎ መታን አልዐልዎ፡፡ ሠመረ መውጋእቱ እብ ዓንደሕቆ ብምዃኑ ብዘይካ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ዝቈጻጸሮ ይኹን ዝፈልጦ ኣካል ስለ ዘይነበሮ እሞ አእጋሩ ብፍላይ ባዕለን ዝነጥራን ዝዘራጋሐን ብምንባረን፣ እቲ ክልተ ሰድያ ብክልተ ጐንኡ፡ ማዕጾ'ቲ ክፍሊ ድማ ብማእገሩ መሐለውታ ንከይጸድፍ ነይሩ፡፡ እቲ ሐጺን እንታይ ጕድአት አውሪዱ ኵኔው ዓቕሚ አሳሰይቲ ኰይኑ፤ ብላዕሊላዕሉ ክውሰድ ከሎ ግና ካብ ብአካል ምጕልዐጽ ወይ ካብ ሰድያ ንታሕቲ ወዲቕካ ካልእ መስበርቲ ምውሳኽ አድሒኑ ዘይበሀል አይነበረን፡፡
ኣብ መወዳእታ ባቡር ክነቅል ይፋጺ'ሞ ንአይ'ውን ብተብተብ አብ አፍ-መደብ-ባቡር ሰኩዑኒ፡፡ ብመውጋእቲ ክልቲኡ ዓይነብርከይ ተሐማሽሹ ብምነባሩ፣ ብጀሶ ካብ ማዕጡቖይ ክሳዕ ጽፍሪ እግረይ ሽፉን ነበረ - ብዘይካ መሻይኖን መሐከም አቚሳልን ከፋት ዘይብሉ ማለት'ዩ፡፡ ባቡር እናኸደ ጉዕዞ አረነ ጀመርኩ፡፡ እናተፋሐዅኩን የማነ ጸጋም በዒንተይ ንብጾተን እናፈተሽኩን ድሕሪ አስታት ፍርቂ ሰዓት ጕዕዞ አብ መበል ራብዐይ ወይ ሐሙሻይ ክፍሊ ረኸብኩዎም፡፡ በቲ ዝነበረ ሙንሙን ጕልበት ዳርጋ ናይ ሐደ መዓልቲ ጕዕዞ ከም ምኻድ ነይሩ፡፡
ከምቲ ልሙድ አንታ ልሙስ አንታ ሐንካስ ተበሀሂልና ሐጐስና ብሰሐቕን ዋዛን ምስ ተለዋወጥና ድኻምን መከራን አልጊሶም ፍስሀ-ሰላም ከነ፡፡ ብዝዀነ ግና ንሓጐስና ቅጽበት ጋህዲ ተኪኡዎ ሐድሽ ግድል ተወልደና፡፡ አነ ልዕሊ ሐደ ሜትሮ ብጀሶ ዝደረቐ አካላት ሒዘ ነታ ፍርቂ ሜትሮ ዝጐና ክፍሊ በየማን ተጠውየ ከመይ እእተዋ፣ ዐቢ ነገር ኰነኒ፡፡ ነቲ ብጻይ ሠመረ መሊኡዎ ዘሎ ባይታ ሰጊረኸ በየን ተአምር አብቲ ልዕሊኡ ዘሎ መደብ8 ነጢረ እደይብ እውን ሐርበተኒ፡፡ ተሳፈርቲ ክአትዉን ክወጹን መንገዲ ስለ ዝዐጸኹ ከአ ዐቕሊ'ቶም ዕጉሳት ሱዳናውያን አወዲአ ጫውጫውታ ፈጠርኩሎም፡፡ ድዉይ ተጣባቢ ከም ዝበሀል ግና አጽፋረይ ሐደ ድሕሪ ካልእ ክሳዕ ዝመሉቚ በእዳው አብ ማዕጾ-ዓርኮብኮባይ እናፈሐቚኩን እናተፋሐቚኩን ንመጀመርያ ግዜ፣ ድሕሪ 30 ነሐሰ 1977 ማለት ድሕሪ 8 ወርሒ፣ ደው ኢለ ክትከል በቓዕኩ፡፡ ካብኡ ግና ምዕይ ክብል ስለ ዘይክእል አብ ልዕሊ ሠመረ ወደቕኩ'ሞ ተታሒዝና ኡይ ኢልና ብቃንዛ አልቀስና፡፡ ዘውደ ከአ ከማና ብድንጋጽ ምሳናን ብዕድሉን ይነብዕ ነበረ፡፡ ካብኡ ብኢደይ ንድሕሪት እናሰሐብኩ ነቲ ሰድያ ብምጽናዕ ነብሰይ አብ መደብ8 ማለት ፊት ዘውደን ልዕሊ ሠመረን ደቀስኩ፡፡
ውድብ ተሓኤ ከምቲ ድሒሮም ሠራሕተኛታት ባቡር ዘረጋገጹልና ብወግዒ ዓራውቲ ሒዙልና ነይሩዩ፡፡ ከምቲ ልሙድ ግና ተጸዋዕቲ ሕክምና አይንውድብ ገንዘብ ካብ ምኽፋል ከድሕኑ አይንአና መጠነሰብ ከሳፍሩ ዝላላ ሥራሕ ገይሮም፡፡ ብዝኾነ ድሕሪ ክልተ ሰዓታት ይኸውን ምስ ተጓዐዝና ንሐደ ዐይነሥዉር (ትግረ ዝዛረብ) ብጻይ ገለ ሰባት የምጽኡልና'ሞ መሳፍርትና ምዃኑን ንዕኡ'ውን ዝመርሑኻ አለዉ ኢሎም ከም ዝጠበርዎ ንፈልጥ፡፡ እዚ ብጻይ ድማ ንዅልና ዝበቅዕ ሰልዲ (መቚንን) ከም ዝተዋህበ ንፈልጥ፡፡ ብስምምዕ ድማ ነቲ ሰልዲ አነ እርከቦ፡፡ ነቲ ብጻይ አብቲ ጐረቤት ክፍልታት ስፍራ ክዋሀቦ ንገብር፤ አብታ ክፍሊ ምሳና ጽንጽያ ክንቀቕር'ውን አይከአልን ነበረ፡፡ ዋላ'ኳ ዓራውትና ጥርሑ እንተነበረ ንአና ናብኡ አቢልካ ምውሳድ ዘይሕሰብ አብ ርእሲ ምንባሩ፣ ብሕሳቡ ከይከፈልና ክንሳፈር እዉን ስለ ዝአበዩና ከም ዳሕራይ ናይ 4 ሰብ መሳፈሪ ከፈልኩ፡፡ አብ ባቡር ደው ዝበለቶ ድማ ናብ መስኮት ተወጢጠ ኢደይ ብምልአኽ እንቋቚሖ ዘሎ ፍሬታት እንገዛእኩ ብጾተይን ነብሰይን መገብኩ፡፡ ናይ ሽንተ-ደገ ጸገም ስለ ዝነበረና ከአ ዐጺቕ መግቢ አይደሌናን፡፡ ብከምዚ ከአ ድሕሪ አስታት ናይ ክልተ መዐልትን ለይትን ጉዕዞ ንካርቱም አተና፡፡
አብ ካርቱም ኩሉ ጥዑይ ዋላ'ውን እንኮላይ ዐይነሥዉር ብጻይና ገዲፎምና ወሪዶም ከዱ፡፡ ካብኡ ባቡር ዘጸራርዩ ሱዳናውያን ክንለቅቕ ተማሕጸኑና፤ ግና አይከም ድልየትን ከም ክእለት ኰይኑና ዕጭ ወዴና፡፡ ፖሊሥ ተጸዊዖም ነገሩ ምስ ርአዩ ምስ ሐደ ቤት ሕክምና ተደዋዊሎም ክልተ ሎሪ አሒዞም አለይቲ ሕሙማት መጹና፡፡ ካብኡ በየናይ አትዮም አበይ ረጊጾምከ የውጽኡና ስለ ዝሐርበቶም፣ መን ይሐይሽ በሉና'ሞ አነ ወለንታይ አርአኹ፡፡ ንድሕሪት እናንፈፌኹን እናተፈሐቚኩን ድማ አብ መስኮት ኮፍ በልኩ፡፡ ካብኡ ብደገ አብ ትሕተይ አንቃዕሪሮም ክንቈልበካ ኢና ተፈንሸር በሉኒ'ሞ ከምኡ ገበርኩ፡፡ ብቃንዛን ብመግዳዕትን ከአ ሰሐንኩዋ ድአ፡፡ ብመስኮትን ብውሽጥን ብምቅብባልን በታ ካባይ ዝተሐረረት መደብ8 ብምርጋጽን ድማ ሐደ ድሕሪ ሐደ ንብጾት ሠመረን ዘውደን ብመስኮት መዚዞም ገላገልዎም፡፡
ካብኡ ናይ ሱዳን ነገር፣ ንአይ ንበይነይ አብ ድሕሪት አብ ሎሪ ንክልተ ብጾት ከምኡ አብታ ካልአይቲ፣ ነቲ አብ ደገ ኮፍ ኢሉ ቀንፈዘው ዝብል ዝነበረ ትግረ ብጻይ ድማ አብ ቅድም ሰቒሎም ብሓንጐጽጐጽ እንሳራሰሩን እናቀብቀቡኑ አብ ቤት ሕክምና ወሰዱና፡፡ ሓካይም ምስ ርአዩና ንአታቶም አፈርክቡ ዘብል ዘይኰነስ ሕዱር አቚሳል ምዃኑ ጠቒሶም ንድሕሪ 4 ወርሒ ክንምለሶም ቆጸራ ወሲዶም አብ አደራሽ ገደፉና፡፡ ካብኡ ናይ ህዝባዊ ሐይልታት አብኡ ዝነበሩ ቊሱላት ተሐከምቲ ርአዩና'ሞ ብባህሊ ይኹን ፖለቲካ ምቅብባል ተሳኢኑ ሐድሕድ ተናፋፈግና፡ ድሒሩ ሐደ ኤርትራዊት ዝተመርዐወ ሱዳናዊ መጸና፡፡ መሕልፎ ንሱ ንክልኒክ (ዕያዳ) ውድብና አብ ካርቱም ሰሐፋ ከም ዝፈልጥን ደዊሊ ክነግረልናን ከአ ቃል አተወ፡፡ ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ከአ አቦይ ኣብርሃ ዝአውቲስአ ሚኒባስ (መኪና) ክልኒክ ተሓኤ ምስ ንናፍቖምን ዝናፈቑናን ገለ ካብ ውጉአት ብጾት መጹና፡፡ ወጋሕታ ንካርቱም ዝአቶና ድማ ሰዓት 6 ወይ 7 ምሸት አብ ቦታና በጻሕና፡፡ ኩሉ ይፈልጥን ይጽበን ምንባሩ፣ የግዳስ አበይ ከም ዝአቶና ጠፊኡዎም ምንባሩ ካብ ብጾት ውጉአት ይኹን ሐለፍቲ ሥርሐት ፈሊጥና፡፡ ብዕሊ ቀሪምና ንምርካብ ተጻዒሩ ግና ከምቲ ኩሉ ነገር አብ ውድባት ኤርትራ ዋና ከይተረኽቦ ተሐሊፉ፡፡
አነ ሎሚ ምስ መስዋእቲ ብጻይ ዘውደ ዘተአሳስሮ ዘሎኹ ምኽንያት እምበአር፣ ብሐደ ሸነኹ አዚ ኩሉ ስቓይ ኤርትራ አሐሪሩ ተሐጕሽናን ጋሮይ ኢልናን ከነብቅዕ፤ በካልእ ሸነኽ ክውሰድ ከሎ ግና፣ ብሰንኪ ምልኪ፣ እዚ ኩሉ ምእንታአን ስለአን ዝተኸፍለን ዝኸፈለን ንእስነት ኮንቱ ኰይኑ፡፡ ማለት ብጻይ ዘውደ እውን ንዝፈትዋ ሃገሩ ተመሊሱ ከይረገጻ፣ ብጽንዓት ዕላማ ከርተት እንዳበለ ሐሊፉ፡፡ ብሬሳ'ውን ስደተኛ ምዃኑ ከአ ንሕልና ዘለዎ ዘየቕስን'ዩ፡፡
ዘልአለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታት ኤርትራ!